Fana: At a Speed of Life!

ኢራን ኣብ ልዕሊ ኩዌትን ባህሬንን መጥቃዕቲ ድሮን ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስ ኣሜሪካ ድርድር እናገበረት ትርከብ ኢራን ኣብ ልዕሊ መዕርፎ ነፈርቲ ኩዌትን ባህሬን ኣብ ዝርከብ ጦር ሰፈር ኣሜሪካን መጥቃዕቲ ድሮን ፈፂማ፡፡

ኢራን ኣብ ልዕሊ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኩዌት ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ድሮን ብዙሓት ሰባት ከምዝተጎድኡ እንትትገልፅ፤ በረራ እውን ተቛሪፁ ተባሂሉ፡፡

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ምክልኻል ኩዌት ብርጋዴር ጄኔራል ሳኡድ ኣብዱልኣዚዝ ኣል-ኦታይቢ÷ ኢራን ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ መዕረፊ መገደኛታት ህንፃ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰባትን እቲ ህንፃን ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኣረጋጊፆም፡፡

ብተመሳሳሊ ኢራን ኣብ ባህሬን ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ዕዮ ሓምሻይ መራኽብ ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ምፍፃማ ኣብዮታ ዘብዒ ኢራን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ እቲ ኣብዮታዊ ዘብዒ ብዝሃቦ መግለፂ፤ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍኖ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መጥቃዕቲ መልሱ ዝኸፍአን ዘየዳግምን ኢዩ ክብል ኣጠንቂቑ፡፡

ኣሜሪካ ብግደኣ “ርእሰ ምክልኻል” ክትብል ኣብ ዝገለፀቶ ወፍሪ ኣብ ጥቓ ወሽመጥ ሆርሙዝ ትርከብ ቃሺም ደሴት ኢራን መጥቃዕቲ ፈፂማ፡፡

ድርድር ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ካብ ዝጅመር ንደሓር ልዑል ኣብ ዝተብሃለ ናይ ዓፀፋ ምልልስ ኢራንን ኣሜሪካን ትማሊ ምሸት ልዑል መጥቃዕቲታት እናተመላለሳ ከምዝሓደራ ኣይቲቪን ቢቢሲ ፀብፂቦም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.