Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኬንያን ኣፍሪካ እንታይ ክተዕውት ከም እትኽእል ንዓለም ኣርእየን እየን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ኬንያን ብሓባር ብምዃን ኣፍሪካ እንታይ ክተዕውት ከም እትኽእል ንዓለም ኣርእየን እየን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ትማሊ ኣብ ኬንያ ኤልዶሬት ኣብ ዝተኻየደ ብሄራዊ በዓል ጀጋኑ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ኣትሌታትና ኣብ ውድድራት ጉያ ተናሓሖም እዮም፤ ሓደ ሓደ ግዜ ኢትዮጵያ ትዕወት፣ ኣብ ካልእ ግዘ ድማ ኬንያ ትዕወት፤ ብሓባር ብምዃን ግና ኣፍሪካ እንታይ ክተዕውት ከም እትኽእል ንዓለም ከነርኢ ክኢልና ኢና ኢሎም።

ዓቕሚ ካብ ንሕንሕ ሓሊፉ ብሓባር ንምስራሕ ምጥቃም ኣብ ኢትዮጵያ መደመር ንብሎ፤ ትርጉሙ ድማ ፃዕርናን ሓይሊናን ንሓበራዊ ዕላማ ብምውህሃድ ምጥቃም እዩ ኢሎም።

እዚ ኣምር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2022 ጀሚሩ ንኢትዮጵያን ኬንያን ዘራኽብ መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣቢሉ ክንርእዮ ክኢልና ኢና ኢሎም።

እቲ መስመር ንብዙሓት ገዛውቲ ብርሃን፣ ንኢንዱስትሪታት ድማ ጉልበት ኤሌክትሪክ እናቕረበ ከም ዝፀንሐ ብምግላፅ፤ ካብ ሞምባሳ ክሳብ ሓዋሳ ዝተዘርግሐ መንገዲ እውን መርኣያ ሽርክነት ክልቲአን ሃገራት ምዃኑ ኣብሪሆም።

ሽርክነትና ናብ ንግዲን እውን ይሰፍሕ ኣሎ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሎሚ ሳፋሪኮም ምስ ሚልየናት ኢትዮጵያውያን ዘራኽብ ኮይኑ ኤም-ፔሳ ድማ ሰባት ገንዘብ ክሰዱን ክፍሊታት ክፍፅሙን ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

መልክዓ ምድሪ ጎረባብቲ ገይሩና፤ ታሪኽ ድማ ኣሕዋት ገይሩና፤ መረፃና ግና ኣብ ሓባራዊ ምዕባካ ዝተመስረቱ መሻርኽቲ ክንከውን ክገብረና ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም።

ሓረስቶትናን ኣፍረይትናን ብዶባትና ኣቢሎም ብቐሊሉ ንግዲ ክለዋወጡ ምኽኣል ህዝብና ኣብ ሃገርና ክበፅሑ፣ ባህልታትና ክላለዩን ብሓባር ክመሃሩን ንሓግዝ ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

ብመልካም ፈቃዱ

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.