Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኬንያን ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ዘለወን መፃኢ ዕድለን እውን ከምኡ ዝተኣሳሰረ ክኸውን ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያን ኬንያን ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ዘለወን መፃኢ ዕድለን እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝተኣሳሰረ ክኸውን ከም ዝግባእ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኬንያ ኤልዶሬት ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መዓልቲ መሹጃ (መዓልቲ ጀጋኑ) ብምስታፍ መደረ ኣስሚዖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደረኦም፣ ንናፅነት ሃገሮም ዝተቓለሱን ሉኣላውነቶም ንምሕላው ዓቢዪ መስዋእትነት ዝኸፈሉን ጀጋኑ ዘለዎም ዓቢዪ ኣኽብሮት ገሊፆም።

እቶም ጀጋኑ ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦን ንዝገደፉዎ ኣሰርን ልዑል ኣፍልጦ ሂቦም።

ታሪኽ ጀግንነትን መስዋእትነትን ኬንያ፣ ካብ ኩሉ ኩርናዓት እታ ሃገር ዝተዋፅኡ ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ንምክልኻል ብሓድነት ካብ ዝተላዕሉሉ ታሪኽ ኣድዋ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ከም ዝመሳሰል ኣብሪሆም።

እዞም ሓባራዊ ታሪኻት ናፅነት ብህያብ ዝተረኸበ ዘይኮነስ፣ ብጀግንነት፣ ብሓድነትን ብመስዋእትነትን ዝተረጋገፀ ምዃኑ ዘዘኻኽሩ እዮም ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.