Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ፤ ዘይትናጋዕ መልህቕ ምብራቕ ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ንሰላምን ምርግጋእን፣ ንሓባራዊ ልምዓትን ምትሕብባርን መልህቕ ዝኾነት ሃገር እያ። ብስፍሓት መሬታ፣ ብብዝሒ ህዝባ፣ ብታሪኻዊ ዲፕሎማስያዊ ፅልዋኣ፣ ከምኡ እውን እናዓበየ ብዝመፅአ ኣኮኖሚያዊ ዓቕማ ኢትዮጵያ ወሳኒት ሓይሊ እቲ ዞባ ኮይና ትቕፅል ኣላ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ወሳኒ ግደ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት መንግስታት እኳ እንተተቐያየሩ ከይተናገዐ ዝቐፀለ እዩ። ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ድማ ሓዱሽን ዘበናዊን መልክዕ ሒዙ ዝያዳ ተጠናኺሩ እዩ። ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ እትገብሮ ኣበርክቶ ብተግባር ዝተረጋገፀ እዩ።

ኣብ ትሕቲ በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ብንጥፈት ካብ ምስታፍ ብተወሳኺ ኣብ ሶማልያ ሰላም ንኽዓስል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ታሪኻዊ እዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ኣብዬ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝርከብ ከባቢ፣ ኣብ ተልእኾ ምኽባር ሰላም ዝተዋፈረ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘይትካእ ግደ ተፃዊቱ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ድማ ብመንግስቲ ዝካየዱ ዘለዉ ሰላም ዝዓለሙ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ዝያዳ ተጠናኺሮም እዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ከም መልህቕ እቲ ዞባ ዘለዋ ግደ ካብቲ ልሙድ ወታደራዊ ዓቕሚን ናይ ምኽባር ሰላም ተሳትፎን ሓሊፉ ናብ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር፣ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ሃገር በቆል ርእዮተ ኣለምን ተሰጋጊሩ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ካብ ማይ፣ ንፋስን ፀሓይን እተፍርዮ ፅሩይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምቕራብ፣ ነቲ ዞባ ብሓይሊ ኤሌከትሪክ ኣቢላ እናተኣሳሰረቶ ትርከብ።

እዚ ዞባዊ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ዝቐየረ ቀረብ ሓይሊ፣ ጎረባብቲ ሃገራት ሕፅረት ሓይሊ ከየጋጥመን ካብ ምግባር ብተወሳኺ፤ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ብምውሳኽ ሓባራዊ ተረባሕነትን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ንምጥንኻር ዝሕግዝ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሃገር እናመዝገበቶ ትርከብ ኩለመዳይ ለውጢ ነቲ ዞባ ሓዳሽ ተምሳሌት ልምዓት ኮይና እያ።

ብፍልስፍና መደመር ዝምራሕ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዘፈር ውልቀ ብምንቕቓሕ፣ ቁልፊ ዓምዲታት ኢኮኖሚ ብምብዛሕን ምስ ዞባዊ ዕዳጋ ብምትእስሳር ፅዕንቶ ቁጠባዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ክብ እናገበረ ይርከብ፡፡

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብዮናስ ጌትነት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.