ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዘይምህላዋን ኣብ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዓብዩ ዕንቅፋት ኮይኑ ክቕፅል እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዘይምህላዋን ውስንነት ሎጂስቲክስን ኣብ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዓብዩ ዕንቅፋት ኮይኑ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር “ልቢ ሉኣላውነት” ብዝብል መሪሕሓሳብ ምስ ኢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ፀንሒት፤ ጉዳይ በሪ ባሕሪ የማን ፀጋም ዝብሉ ዜጋታት እንትርኢ ይገርመኒ ኢሎም፡፡
ጉዳይ በሪ ባሕሪ ናይ መንግስቲ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ዜጋ ጉዳይ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ብፍትሓዊ ዋጋ ክንነግድ እንኽእል ምግቢ፣ ክዳውንትን መድሓኒትን ብሰንኪ ስእነት ወደብ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።
ኣብ ዓለም ኣብ መበል 10ይ ደረጃ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ብሰንኪ ወደብ ፀገማት ዘይነበራ ኢትዮጵያ ኣብ መትከል ምሃብን ውሰድን ብዘይምእማንን ወደብ ዘይብላ ገይርካ ምቕባል ዘዋፅእ ኣይኮነን ኢሎም፡፡
ብኣቤል ነዋይ