Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ቫይረስን ማርበርግ ምቁፅፃር ምኽኣላ ለበዳ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ዘርኢ ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ቫይረስን ማርበርግ ዝተቖፃፀረትሉ መገዲ ሃንደበታዊ ዝርገሐ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕማ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፡፡

ሃንደበታዊ ሓደጋ ጥዕና ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ዓወታት ቅልጡፍ ምላሽ ኣመራርሓን ሕማም ቫይረስ ማርበርግ ምቁፅፃር ዝተኽኣለሉ መድረኽ መብሰሪን እቲ ቫይረስ ምቁፅፃር ምኽኣሉን ስዒቡ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ተኻይዱ።

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ሕማም ቫይረስ ማርበርግ ብምክልኻል ዝተረኸበ ውፅኢት ልዑል ትርጉም ኣለዎ።

እቲ ቫይረስ ካብ ኢትዮጵያ ምጥፋእ ዝተኸኣለሉ መገዲ ፖሊሲ ጥዕና ዕዉት ከምኡ እውን ቆራፅነት ኣመራርሓን ምውዳድን ዘርኢ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ስራሕቲ ሓለዋ ጥዕና ዜጋታት ቀዳማይ ተግባር ተገይሩ እናተሰርሐሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ሳይንሳዊ ኣሰራርሓ ብምኽታል ቅልጡፍን ዝተዋደደን ምላሽ ዝተውሃበሉ ስርዓት ንኢትዮጵያ ካብ ቫይረስ ማርበርግ ናፃ ምዃን ከምዘኽአለ ዝሓበሩ እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንሃንደበታዊ ሕማም ዘይብዳህ ስርዓት ምህናፃ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ኢትዮጵያ ቫይረስን ማርበርግ ዝተቖፃፀረትሉ መገዲ ሃንደበታዊ ዝርገሐ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምጉልባታ ዘርኢ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ብዝተገበረ ፃዕሪ ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ ኣካላት ኣመስጊኖም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.