ኢትዮጵያ ንኮፕ-32 ጥንኹር ምድላው ትገብር ኣላ – ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ንኮፕ-32 ጥንኹር ምድላው ትገብር ኣላ ኢለን ሚኒስትር ገንዘብ ፍፁም ኣሰፋ።
ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪየ ከተማ ኣንታሊያ ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ኮፕ-31 ናይ ባዕላ ፓቪሊዮን ከፊታ ንሃገራዊ ኣበርክቶኣ እናላለወት ትርከብ።
ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብዚ ኣጋጣሚ ከምዝገለፅኦ፣ ኣብ ቱርኪየ ኣንታልያ ዝተኸፍተ ፓቪልዮን ኢትዮጵያ ንኮፕ-32 እትገብሮ ምድላው ንምርኣይ
ዓብዩ ኣበርክቶ ኣለዎ።
እቲ ፓቪልዮን ኢትዮጵያ ንዓለም ኣብ ምድርዳር ዓቕሚ ዘለዋ ድልውቲ ዝኾነትን ነቲ ጉዳይ ብግቡእ እትርዳእን ሃገር ምዃና ዘርኢ መድረኽ እዩ ኢለን።
ኣብቲ መድረኽ ንኢትዮጵያ እነላልየሉን ንኣዳላውነት ኮፕ-32 ድልውቲ ምዃና እነርእየሉን እየን ዝበላ እተን ሚኒስትር ኣብቲ ፓቪሊዮን ኣስታት 60 መደባት ንምድላው ተሓሲቡ ከምዘሎ ኣመልኪተን።
ብተወሳኺ ርክባት ዕርክነት እንፈጥረሉ ኢንቨስትመንት እንስሕበሉ፣ ንእቲ ስራሕ ዘድሊ ሓገዝ ፋይናንስ ንምርካብ እንዘራረበሉን ሽርክነታት እንፈጥረሉን መድረኽ ምዃኑ ገሊፀን።
ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ክብ ዘብልን ክብራ ዝምጥንን፣ ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ ንዓለም ዘበርከተቶም ስልጣነ፣ ፍርያትን ሃፍቲ ማዕድንን እነርእየሉ መድረኽ እዩ ኢለን።
ብእመቤት ሲሳይ