ኢትዮጵያ ንዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ተወሳኺ ደገፍ ንምግባር ቃል ኣቲያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ተወሳኺ ወተሃደራዊን ሓይሊ ፖሊስን ብምውፋር ደገፍ ከምእትገበር ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣረጋጊፀን።
በተን ሚኒስትር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ጀርመን በርሊን ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ ሚኒስትራት ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ምንግስታት ተሳቲፉ።
ኣብ መኸምበቲ እቲ ኣኼባ መደረ ዘስመዓ ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፥ ሕቡራት መንግስታት ብመሰረት ዘቕርቦ ሕቶ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ወተሃደራዊን ዩኒታት ፖሊስን ንተግባር ምኽባር ሰላም ከምእተዋፍር ቃል ኣቲየን።
ኢትዮጵያ ኣብ ዘጣየሸቶ ዓለም ለኸ ኢንስቲትዩት ስልጠና ዓቃቢ ሰለም ኣቢላ ኣብ ሰልጠና አትገብሮ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣረጋጊፀን።
ብሃይለማርያም ተገኝ