Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዓለም ልኸ መድረኻት ብምትእንጋድ ናይ መፍትሒ ሓሳባት ንክድመፁ ምግባራ ክትቅፅል ኢያ – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዓለም ልኸ መድረኻት ብምትእንጋድ ናይ መፍትሒ ሓሳባት ንክድመፁ ምግባራ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ ሚኒስትር መስኖን ከባቢ ቆላን አብርሃም በላይ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ኣደስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዓለም ለኸን ቀጣናዊን ጉባኤታት ጠሚቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሃገር ቦቆል መፍትሒታት ናይ ምፍልፋልን ብዓለም ለኸ ተመክሮታት ናይ ምውዳድን ልምዳ ወሰንቲ መድረኻት ብምድላው ምድማፅ ቀፂላ ኣላ ኢሎም።

5 ክሳብ 7 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝተሰናድአ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ መስኖን ብክሊማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ልምዓትን  2025 ናይዚ ጅምር ኣብነታዊ መርኣያ ከመዝኾነ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዓለም ለኸ ትካላትን መነግስታዊ ዘይኮኑ ኣካላትን ብሽርክና ተሳቲፎም።

ካብ 13 ሃገራት ዝተወከሉ ሚኒስትራትን ላዕለዎት ልኡኻትን ኣብቶም ኣጀንዳታት መዝታዮም ተዛሪቦም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.