ኢትዮጵያ ዘካየደቶ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሰላማዊን ናፃን ነይሩ – ብፁእ ኣቡነ ኣንቶኒ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣቦ መንበር መምርሒ ርክባት ወፃኢ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ብፁእ ኣቡነ ኣንቶኒ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሰላማዊ፣ ናፃን ዝተረጋገአን ነይሩ ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብብፁእ ኣቡነ ኣንቶኒ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም።
ኤምባሲ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ዘተ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ፤ ብፁእ ኣቡነ ኣንቶኒ ኢትዮጵያ እቲ መረፃ ብዓወት ብምዝዛማ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ምምሕልላፎም ገሊፁ።
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ንዘሎ ዓሚቕን ታሪኻዊን መንፈሳዊ ምትእስሳር ኣፅንኦት ብመሃብ፤ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብሓባር ኣብ ክርስቲያናዊ ሓድጊ ዝተመስረተ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ቦታት ካይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ናይ ስነ መለኮት ትካላት ትምህርቶም ምክትታሎም ትካላዊን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ሓገዝ ምግባሩ ተዛሪቦም።
ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ከምዝጠናኸር ዘለዎም እምነት ብምግላፅ፤ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ዘሎ ጥንኩር ምትእስሳር ኣብ ሞንጎ ክልቲን ንዘሎ ሰፊሕ ምትሕብባር ኣስተዋፅኦ ምግባሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።