Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዞባዊ ሰላም ንኽዓስል ብቖራፅነት ትሰርሕ ኣላ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኢትዮጵያ ዞባዊ ሰላም ንኽዓስል ብቖራፅነት ትሰርሕ ኣላ ኢሎም።

ዋና ትኹረቱ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ፓርላማ፣ ሰብ ሞያ ሓበሬታን ሰብ መዚ መንግስቲን ኣብ ዓለም ለኸ ስግኣታት ድሕንነት ዙሪያ ምትሕብባር ንምጉልባት ዝገበረ ዓለም ለኸ ፎረም ድሕንነትን ሓበሬታን ፓርላማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ ፎረም ከምዝበሉዎ፤ ነዊሕ ዘበን ዘቑፀረ ልምዲ ዴሞክራሲ ዘለዋ ኢትዮጵያ ድሕንነትን ሰላምን ንምርግጋፅ ብቖራፅነት እናሰርሐት ትርከብ።

ኢትዮጵያ ኣብ ፅባሕ ወሳኒ ሃገራዊ መረፃ ዘካየደትሉ እዋን እናተኻየደ ዝርከብ እቲ ፎረም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምርግጋፅ ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሰላማዊን ኣካታታይን ዴሞክራሲያዊ መረፃ ምግባራ ብምዝኽኻር፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ መረፃ ልዑል ዓቕሚ ብምህናፅ ንምድንፋዕ ዴሞክራሲ ዘለዋ ቆራፅነት ኣረጋጊፃ ኢሎም።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣኻኻይነት፣ ጎንፂታት፣ ክሌማዊ ለውጢን መጥቃዕቲታት ሳይበርን ብስፍሓት እናመከተ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ስደትን መጥቃዕቲ ሳይበርን ብሓባር ምክልኃል ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣፍሪካ “ኣፍሪካዊ መፍትሒታት ንፀገማት ኣፍሪካ” ዝብል መምርሒ ብምኽታል ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናወገነት ከምትርከብ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኢትዮጵያ ዞባዊ ሰላም ንኽዓስል ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምውጋእ ብቖራፅነት እናሰርሐት ትርከብ ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምክልኻልን ስደት ካብ ፍልፍሉ ንምትራፍን ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ትኹረት ከምዝተውሃበ ተዛሪቦም።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.