Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ምስፍሕፋሕ 4ጂን 5ጂን ኔትወርክ ዘርኣዮ ዕቤት

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ንሓፈሻዊ ተበፃሕነት ኢንተርኔት ብዝበለፀ ብምጥንኻር ዲጂታል ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ብቖራፅነት ይሰርሕ ኣሎ።

ነዚ ዕላማ ድማ ኢትዮ ቴሌኮም ኣገልግሎት ኔትወርክ 4ጂን 5ጂን ንምስፋሕ ዝወስዶም ዘሎ ብዙሓት ስራሕቲ ዝነኣዱ እዮም።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2018 እቲ ትካል፤ ኢትዮ ቴሌኮም ንዘበኑ ዝምጥን ኣገልግሎት ብምቕራብ ዲጂታል ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ብትኹረት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

ኣብቲ በጀት ዓመት ሓደሽቲ ጣቢያታት ኔትወርክ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ዓቕሚ ኔትወርክ፣ ሽፋንን ተሞክሮ ተረባሕቲን ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ዓበይቲ ናይ 4ጂን 5ጂን ኔትወርክ ምምሕያሽን ምስፋሕን ስራሕቲ ተኻይዶም።

እቲ ትካል ብዝካየዱ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ምምሕያሽን ምስፋሕን ኔትወርክ 4ጂ፣ ሽፋን ቁፅሪ ህዝቢ 4ጂ ናብ 82 ነጥቢ 23 ሚእታዊ ምብፅሑ እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኣመልኪተን።

በዚ ድማ ኣብቲ ዓመት 264 ሓደሽቲ ከተማታት ተረባሕቲ ኣገልግሎት 4ጂ ክኾና ከለዋ፤ በዚ ድማ ሓፈሻዊ ሽፋን 4ጂ ዘለወን ከተማታት ቁፅረን ናብ 1 ሺሕን 200 ከተማታት ክዓቢ ተገይሩ።

ሽፋን ህዝቢ 4ጂ ካብ 70 ነጥቢ 83 ሚእታዊ ናብ 82 ነጥቢ 23 ሚእታዊ፤ ከምኡ እውን ጂኦግራፊያዊ ሽፋን ካብ 21 ነጥቢ 06 ሚእታዊ ናብ 36 ነጥቢ 29 ሚእታዊ ክዓቢ ተገይሩ።

ስራሕቲ መስፋሕፍሒ 5ጂ ኔትወርክ ንህንፀት ዘበነዎት ከተማታት (ስማርት ሲቲ)፣ ንኢ-ኮመርስ፣ ንዲጂታል ኣገልግሎታት መንግስቲን ንመድረኻት ፊንቴክን ሓደሽቲ ዕድላት ፈጢሩ እዩ።

እቲ ስራሕቲ ምስፋሕ 5ጂ ተወሳሰኽቲ ሸውዓተ ከተማታት ብምእታው ብሓፈሻ 33 ከተማታት ኣገልግሎት 5ጂ ክረኽባ ዝኸኣላ እንትኾና፤ ኣብቲ በጀት ዓመት ዝተሃነፁ 25 ሓደሽቲ ጣቢያታት 5ጂ ብምውሳኽ ሓፈሻዊ ቁፅሪ ጣቢያታት 5ጂ ናብ 340 በፂሑ።

እዚ ድማ ዓቕሚ ምሽካም 5ጂ ናብ 1 ነጥቢ 4 ሚልዮን ክዓቢ ገይሩ፤ ዝተፈጥረ ተወሳኺ 80 ነጥቢ 9 ሺሕ ዓቕሚ ድማ ንህንጠት ዘነዎት ከተማታት፣ ንኣገልግሎታት ደረጃ ኢንተርፕራይዝን ንህንፀት ስነ ምህዳር ምህዞን ዓብዪ ዓቕሚ ፈጢሩ።

እዞም ፃዕሪታት፣ ኣብ ምላእ ሃገር ዘተኣማምን ምትእስሳር ብምርግጋፅ፤ ዲጂታል ኣገልግሎታት ክሰፍሕ ብምግባርን ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዲጂታል ጉዕዞ ሃገር ቀንዲ ሞተር ምህዞን ተወዳዳርነትን ክኸውን ብምግባርን ራኢ «ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030» ጋህዲ ንኽኸውን ዝሕግዙ እዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.