Fana: At a Speed of Life!

ኢነርጂ፡ ንሕዳሰን ዘላቒ ብልፅግናን ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ታሪኽ ዕቤትን ብልፅግናን ዝኾነት ሃገር፣ ሓይሊ (ኢነርጂ) መሰረት ኩሉ ልምዓትን መንቀሳቐሲ ሞተር ኢኮኖሚን እዩ።

ከምቲ ህይወት ንዘለዎ ኩሉ ፍጡር ብርሃን ፀሓይን ኣየርን ዘድልዮ፣ ዘርፍታት ልምዓት ንኽዓምብቡ፣ ኢንዱስትሪታት ንኽንቀሳቐሱ፣ ሕርሻ ዘመናዊ ንኽኸውን፣ ኣገልግሎታት ትምህርትን ጥዕናን ፅሬት ንኽህልዎም ከምኡ’ውን መዓልታዊ ህይወት ዜጋታት ንኽመሓየሽ፣ ብቑዕን ዘላቕን ኣቕርቦት ሓይሊ ወሳኒ እዩ።

ሓይሊ ዘይብሉ ልምዓት ማይ ከም ዘይብሉ ሕርሻ እዩ። ስለዚ ዓቕሚ ሓይሊ ምዕባይ ሓፈሻዊ ብልፅግና ሃገር ንምርግጋፅ ዝግበር መሰረታዊ ጉዕዞ ኮይኑ ይረአ።

ኢትዮጵያ ብተፈጥሮኣዊ ሃብታ ዝተዓደለት፣ብዙሓት ዓበይቲ ሩባታት፣ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ዝርከብ ናይ እሳተ-ጎመራ ንጥፈታት ወሰን ዘይብሉ ዓቕሚ ንፋስን ናይ 13 ኣዋርሕ ብርሃን ፀሓይን ዘለዋ ሃገር እያ።

እዚ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኢትዮጵያ ማእከል ሓይሊ ኣፍሪካ ናይ ምዃን ዓብዩ ዕድል ሂብዋ እዩ።

ብወገን ምፍራይ ፀዓት ማይ ዘለዋ ዓቕሚ ኣዝዩ ዓብዩ እዩ። ኣብ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ካልኦት ግድባትን ዝፍሪ ኤሌክትሪክ ድሌት ሓይሊ ንምምላእ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንጎረባብቲ ሃገራት ብተመጣጣኒ ዋጋ ብምቕራብ እቶት ወፃኢ ምንዛሪ ንምርካብን ኣብቲ ዞባ ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ዝተመስረተ ዕቤት ንምፍጣርን ዓብዩ ዕድል ፈጢሩ እዩ።

ኣብ ኣዳማ፣ ኣሸጎዳን ኣይሻን ዝርከቡ መፈልፈሊ ሃይሊ ንፋስ፣ ከምኡ’ውን እናተስፋሕፍሑ ዝርከቡ ፕሮጀክትታት ሓይሊ ፀሓይ (ሶላር)፣ ኣጠቓቕማ ተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ምዕባይን፣ ለውጢ ክሊማ ንምክልኻል ዝሕግዝ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅን ዓብዩ ኣበርክቶ እናገበሩ ይርከቡ።

ኣብ ክልል ሶማሌን ኣብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ከባቢታትን ዝተኸዘነ ሃብቲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ፣ ኣብ መፃኢ ንዘቤታዊ ድሌት ሓይሊ ከም ጥረ ኣቕሓ ኢንዱስትሪን ዝህልዎ ረብሓ ኣዝዩ ዓብዩ እዩ።

መንግስቲ ኢነርጂ ኣብ ሓፈሻዊ ዕቤት ሃገር ዘለዎ ቁልፊ ግደ ብምግንዛብ ነዚ ዘፈር ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መፈልፈሊ ሓይሊ ካብ ምህናፅ ሓሊፉ፣ መስመራት መተሓላለፊን መዘርግሒን ሓይሊ ብምዝርጋሕ ኣገልግሎት ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ

ብመልካም ፈቃዱ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.