Fana: At a Speed of Life!

ኢጋድ ኣብ ሶማሊያ ዝተፈጠረ ቅልውላው ንኹሉ ብዝሓቁፍን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ልምዓት በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ሶማሊያ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ንኹሉ ብዝሓቁፍን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡
ኣብ ሶማሊያ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ፕሬዚዳንት ከቢድ ድምፂ ቶኽሲ ምስምዑ ስዒቡ ሓይሊታት ፀጥታ ሶማሊያ ምላሽ ምሃቦም ተሓቢሩ፡፡
ኢጋድ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ንኹሉ ተግባራት መጥቃዕቲ ብትሪ ኮኒኑ።
ኣብ ሶማልያ ፖለቲካዊ ወጥሪ ልዑል ኣብ ዝኾነሉ እዋን ኣብ ሞቃድሾ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋእ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊፁ፡፡
ኩሎም ወገናት ነቲ ወጥሪ ከረጋግዑን ኣፈላላዮም ብሰላማዊ፣ ሓቛፊን ሃናፂን ብዝኾነ ዘተ ክፈትሑ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡
ኣብዚ ወሳኒ እዋን ሰላምን ምርግጋዕን ንምፅናዕ ከምኡ እውን ሃገራዊ ሓድነት ንምሕያል ፃዕሪ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ሶማሊያ ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።
ኢጋድ ብተወሳኺ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ንረብሓ ህዝቢ ሶማልያ ቀዳምነት ብምሃብ ሰላማዊ ፍታሕ ዝረኽበሉ መንገዲ ክኽተሉ ኣተሓሳሲቡ።
ሶማልያ ከም መስራቲት ኣባል ኢጋድ ከም ምኳና መጠን ኣብቲ ዞባ ንሰላም፣ ፀጥታን ልምዓትን ኮይና ምፅናሓ ኣዘኻኺሩ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.