ኣመራርሓ በዓል ሓደራ መንግስቲ ፌዴራል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሎሚ ምስ ነበርቲ ከተማ መቐለ ዘተ ኣካይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣመራርሓ በዓል ሓደራ መንግስቲ ፌዴራል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሎሚ ምስ ነበርቲ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ዘተ ኣካይዱ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣይተ አሰፋ አብርሃ ሐጎስ ዋና ስራሕ ኣፈፃሚ ጉዳያት ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝብን፣ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ወ/ሥላሴ ዋና ስራሕ ኣፈፃሚ ጉዳያት ፖለቲካን ህዝባዊ ዉዳበታትን ፣ቴዎድሮስ አረጋይ ወ/ሥላሴ (ዶ/ር) ዋና ስራሕ ኣፈፃሚ ጉዳያት ኢኮኖሚን ዳግማይ ህንፀትን ዶ/ር ሺሻይ ኣማረ ከንቲባ ከተማ መቐለ ተረኺቦም።
ኣብቲ እዋን ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ብሓደራ ተቀቢሎምወን ዝመፁ ዝርዝር ስራሕቲ ድሕሪ ምግላፆም ዕድል ንተሳተፍቲ ሂቦም ።
ኣብዚ ዝተካየደ መድረኽ ብርክት ዝበሉ ክፋላት ማሕበረሰብ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን መናእሰይን ተሳቲፎም።