Fana: At a Speed of Life!

ኣምር መደመር መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ተኮር ፖሊሲ ኣመራርሓን ውሳነ ምሃብን ምርግጋፅ ተኻኢሉ – ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣምር መደመር መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ተኮር ፖሊሲ ኣመራርሓን ውሳነ ምሃብን ምርግጋፅ ተኻኢሉ ኢለን ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፡፡

”ሉኣላዊነት ሓበሬታ ንናፅነት ፖሊሲ” ብዝብል መሪሕ ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግዝቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ጉባኤ ሉኣላዊነት ሓበሬታ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዓ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፤ቅድም ክብል ሃገራዊ ስርዓት ሓበሬታ ኣብ ርእሰ ዓቕሚ ዘይመስረተ ብናይ ወፃኢ ሓገዝ ፅግዕተኛ ኮይኑ ዝፀንሐን ሕቶታት ተኣማንነት ዝለዓሉሉል ከምዝነበረ ኣልዒለን።

‎ካብዚ ንምንጋፍ ኣብ ዝተገበሩ ቆራፅ ስጉምቲታት ሃገር በቆል ሪፎርም ኢኮኖሚን ኣፈፃፅማ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ንምክትታል ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ሓሬታ ዕላዊ ከምዝተገበሩ ገሊፀን፡፡

ንኣብነት ድማ ከም ዝተዋደደ መፅናዕቲ ስድራ፣ ሓበሬታ ቱሪዝምን ቆፀራ ትካላት ቢዝነስን ዝበሉ ዝተፈላለዩ ናይ ዳህሳስ መፅናዕቲ ብምግባር ኣብ ዲጂታል ስርዓት ብምዝማን ንልምዓት ሓበሬታ ልዑል ኢንቨስትመንት ምግባር ከምዝተኽኣለ ፀሪሐን፡፡

በዚ ድማ ኣም መደመር መሰረት ዝገበረ ኣብ ሓበሬታ ዘድሀበ ፖሊሲን ምሃብ ውሳነ ኣመራርሓን ምርግጋፅ ተኻኢሉ ክብላ ሓቢረን።

‎ከምዚ ዝበለ ውፅኢት ሪፎርም ሓበሬታታት ብኢትዮጵያውያን ክእከቡን ክትንተኑን ብምግባር ሉኣላዊነትን ናፅነት ፖሊሲን ሃገር ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣመልኪቱ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.