Fana: At a Speed of Life!

ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝገብርዎ ፀወታ ሎሚ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ ዝሳለጥ መበል 23 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝገብርዎ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ወሲዱ ኣሎ።

ኣርሴናል መሪሕነቱ ንምጥንኻር ዓሊሙ ሎሚ ኣብ ዝገብሮ ፀወታ ካብ ማንቼስተር ዩናይትድ  ልዑል ንሕንሕ ከጋጥሞ ኢዩ ዝብሉ ግምታት ካብ ሰብ ሞያ ስፓርት ይቐርቡ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ማንቼስተር ሲቲ ዓወት ዝሓፈሰ ዩናይትድ ሎሚ እውን ኣብ ልዕሊ ኣርሴና ንምድጋም ዘኽእሎ ልምምድ ከምዝገበረ ይግለፅ።

ክልቲኦም ጋንታታት ኣብ ዝገበርዎም ሕሉፋት ሓሙሽተ ፀወታታት ኣርሰናል ሰለስተ ጊዘ እንትዕወት ዩናይትድ ድማ ሓደ ጊዘ ስዒሩ ኢዩ።

ሓደ ፀወታ ድማ ብማዕረ ከምዝተፈላለዩ ይዝከር።

ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዘራኽብ ናይዚ ሰሙን ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ምሸት ሰዓት 1፡30 ኣብ ስታዲየም ኢምሬትስ ክካየድ ኢዩ።

ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ኣስቶንቪላ፣ ክሪስታል ፓላስ ምስ ቼልሲ ከምኡ’ውን ብሬንትፎርድ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ሰዓት 11፡00 ፀወተኦም ከምዘካይዱ እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ ይሕብር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.