ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ምትሕብባር ባሕርን ንግድን ምዕባይ ይግባእ – ኣምባሳደር ናሲቦቭ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣምባሳደር ኣዘርባጃን ኣብ ኢትዮጵያ ሩስላን ናሲቦቭ ኣብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ምትሕብባር ባሕርን ንግድን ክዓቢ ይግባእ ኢሎም።
ኣምባሳደር ናሲቦቭ ምስ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ኣዘርባጃን ወደብ ዘይብላ ሃገር ዋላ እኳ ተኾነት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕብባር ግን ተረባሒት በሪ ባሕሪ ምዃና ኣመልኪቶም።
በዙይ መሰረተ- ልምዓት ብምዝርጋሕን ብመትከል ሂብካ ምቕባልን በሪ ባሕሪ ተረባሒት ምዃና ብምሕባር÷ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ስትራተጂካዊ ረብሓ ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡
ልዕሊ 10 ሚሊየን ህዝቢ ዘለዋ ኣዘርባጃን ወደብ ዘይብላ ሃገር ዋላ’ኳ እንተኾነት ኢራን፣ ካዛኪስታን፣ ቱርክሜንስታንን ሩስያን ካብ ስፒያ በሪ ባሕሪ ምርካብ ክኢላ።
ብመሳፍንት ብርሌ