Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ በቢጉጅለታት ዝተጠርነፉ ምኽረ ሓሳባት ናይ ምጥዕዓም ስራሕ ይዛዘም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ብጉጅለታት ዝተጠርነፉ ምኽረ ሓሳባት  ናይ ምጥዕዓም ስራሕ እናተዛዘመ ይርከብ ኢሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ።

ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሂሩት ገ/ስላሴ፤ ኣብ ህሉው ኩነታት እቲ ጉባኤ ዝምልከት መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን ድማ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ 15 ወከልቲ ብምምራፅ ኣብ በቢጉጅልኡ ዝተጠርነፉ ምኽረ ሓሳባት ንምጥዕዓም እናሰርሑ ምፅንሖም ኣዘኻኺረን።

ቀንዲ ስራሕ እዞም ተወከልቲ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ንነዊሕ ተወሲዱሎም ዝተዳለዉ ምኽረ ሓሳባት ምጥዕዓም ምዃኑ ኣመልኪተን።

በዚ ድማ ኣብ መንጎ 8 ጉጅለታት ናይ ምኽረ ሓሳባት ቅርሕንቲ ወይ እውን ምድግጋም ከይፍጠር ብሓደ ውፁእ ብዝኾነ መገዲ ንኽቐርቡ እናተሰርሐ ከምዘሎ ኣመልኪተን።

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ዝተመረፁ ተወከልቲ ብዛዕባ ምኽረ ሓሳባት ካልኦት ጉጅለታት ግንዛበ ዝወሰዱ እንትኾኑ፤ በዚ ድማ ሕድሕዶም ብምዝርራብ ሓሳባት ከምዘጠዓዕሙ ኣብሪሀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ በቢጉጅለታት ዝተጠርነፉ ለበዋታት ናይ ምጥዕዓም ስራሕ ኣብ መወዳእታ ብርኪ ከምዝበፅሐ ገሊፀን።

እቲ ዝተጠርነፈ ምኽረ ሓሳብ ናይ ምጥዕዓም ስራሕ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ከምዝዛዘም ብምሕባር፤ ቀፂሉ ድማ እቲ ዝተጠዓዓመ ምኽረ ሓሳብ ዳግም ንኹሎም 8 ጉጅለታት ከምዝቐርብ ኣብሪሀን።

ኣብዚ መድረኽ ድማ እቶም 8 ጉጅለታት ዘዳለዉዎም ምኽረ ሓሳባት ጥራሕ ዘይኮነስ ብካልኦት ጉጅለታት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከምዝፋለጡን ከምዝርድኡን እውን ተዛሪበን።

ሎሚን ፅባሕን ብዛዕባ እቶም ምኽረ ሓሳባት እታወት ብምውሳኽ፤ ድሕሪ ፅባሕ ረቡዕ ድማ እቶም 4 ሺሕ ተሳተፍቲ ዘተ ከምዘፅድቑዎ ሓቢረን።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ዝቐርቡ ጥርዓናት እናመርመረ ውሳነ ከምዝህብ እውን እተን ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኣረጋጊፀን።

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.