Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሕድሕድ ስጉምቲ ተስፋ እንተይቆረፅኩ ንዕላማይ ብምትገሀይ ዕውትቲ ገይሩኒ – ብመዓርግ ሕክምና ዝተመረቐት ዶ/ር ነቢላ ሸሪፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ 3 ነጥቢ 9 ውፅኢት ብምምፃእ ብልዑል መዓርግ ዝተመረቐት ዶ/ር ነቢላ ሸሪፍ ኣብ ሕድሕድ ስጉምቲ ተስፋ እንተይቆረፀት ንዕላማኣ ብምትሃሃ ዕውትቲ ከምዝገበራ ትዛረብ፡፡

ዩኒቨርሲቲ ጅማ ብዝተፈላለዩ ዓውታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 2 ሺሕን 900 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ፡፡

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና ስኒ ትምህርታ እናተኸታተለት ዝፀንሐት ዶ/ር ነቢላ ሸሪፍ፤ ልዑል ውፅኢት ብምምፃእ ተሸላሚት ወርቂ ኮይና፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒታ ውሽጣዊ ድሌታ ንምምላእ ሙሉእ ግዘኣ ንትምህርቲ ሕክምና ስኒ ብዘይምህካይ ብምሃባ ብልዑል መዓርግ ንምምራቕ ከምዘብቃዓ ተዛሪባ፡፡

ብሓፈሻ ሰለስተ ሽልማታት ዝተበርከቱላ እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ዓውዲ ሕክምና ሃገር ንምግልጋል ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፃ፡፡

ብወርቅኣፈራው ያለው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.