ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ዘድሀበ ዞባዊ ፎረም ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ዘድሀበ ዞባዊ ፎረም ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
“ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዞባዊ ምትእስሳር ምጥንኻር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሃገራት እቲ ዞባ ተሪኺቦም፡፡
እቲ መድረኽ ዶብ ተሳጋሪ ንግዲን ምትእስሳር ኢኮኖሚን ትስስርን ንምጥንኻርን ዝተሓላለኹ ፈተናታት ሰላም ድሕንነትን እቲ ከባቢ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተላዒሉ፡፡
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘበናትን ዝተሳገሩ ፀገማት ንምፍታሕ ዝነበረ ምውዳድ ክፍተት ብምስባር ነባራዊ ኩነታት ዘገናዘበን ምትሕብባር ማእኸል ዝገበረ ሓዱሽ ኣንፈት መፍትሒን ምኽታል ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብቲ ፎረም ተላዒሉ፡፡
ኢትዮጵያ ብመሰረት ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣምር መደመር ኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ዞባ ኣፍሪካ ሓዊሱ ዞባዊ ውህደት ንምቅልጣፍ ብቖራፅነት እናሰርሐት ምዃና ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ