Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ዝገበርናዮም ዑደት ንልምዓት ከተማታትና ዓብዩ ተመክሮ ዝረኸብናሉ እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ኣብ ጎና ጎኒ መድረኽ ከተማታት ዓለም ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ዝገበርናዮ ዑደት፣ ንልምዓት ከተማታትና ዓብዪ ተመክሮ ዝረኸብናሉ እዩ ኢለን።
ኣብቲ መድረኽ እናተሳተፈ ዝርኸብ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ባኩ ዝተፈላለዩ መስሕብ ቦታታትን ስራሕቲ ልምዓትን ዑደት ኣካይዱ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ከምዝበልኦ፥ ኣብ ከተማ ባኩ ዝካየድ ዘሎ ከይዲ ሕድሳት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ዘንፀባርቕ እዩ ኢለን።
እቲ ዑደት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ዝጀመርናዮ ስራሕቲ ልምዓት ከተማ፣ ምሕዳስ ሓድግታትን ሓለዋን ብዝበለፀ ኣጠናኺርና ንምቕፃል ዓብዪ ተሞክሮ ዝረኸብናሉ እዩ ኢለን።
እቲ ዝኣረገን ዝዓነወን ከባቢ ሙሉእ ብሙሉእ ብምፍራስ ከም ብሓዱሽ ተሃኒፁ ከምኡ እውን እቲ ብጥንታዊት ከተማ እትፍለጥ ክፋል እታ ከተማ ብጥንቃቐ ተሓዲሱ ንበፃሕቲ ከምዝተኸፍተ ሓቢረን።
እዚ ከይዲ ሕድሳት ከተማታት ተመኩሮ ኢትዮጵያ ዘንፀባርቕ ምዃኑ ብምሕባር፤ ታሪኽን ቅርስታትን ብምዕቃብ ዝዓነዉ ከባቢታት ብሓድሽ መንገዲ ንሃንፆም ኣለና ኢለን።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.