ኣብ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ሕፅረት ቀረብ ሓይሊ ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቡሬ፣ ቡልቡላን ይርጋለምን ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ሕፅረት ቀረብ ሓይሊ ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ፡፡
ኣማኻሪ ዓውዲ እታወትን መሰረተ ልምዓትን ኢንዱስትሪ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣይተ ዳንኤል ኦላኒ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ÷ ንኢንዱስትሪታት ኣፍረይቲ መሰረተ ልምዓት ምቕራብ ንምምላእ ኣብ መፍረያይነት ልዑል ግደ ኣለዎ፡፡
ብፍላይ ኣብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝረአ ሕፅረት ቀረብ ሓይሊ ንምፍታሕ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ኢሎም፡፡
ቡሬ፣ ቡልቡላን ይርጋለምን ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ፓርክታት ብሰንኪ ፀገም ቀረብ ሓይሊ ምኽንያት ብሙሉእ ዓቕሞም ስራሕ ክጅምሩ ከምዘይከኣሉ ገሊፆም።
መንግስቲ ኣብ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ፓርክታት ዘሎ ፀገም ሕፅረት ሓይሊ ንምፍታሕ ውሳነ ምሕላፉ ብምሕባር፤ ነዙይ ድማ ህንፀት ሰብስቴሽኖችንንምስራሕ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ንህንፀት ሰብስቴሽን ዘድልዩ እታወታት ካብ ወፃኢ ንምእታው 34 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ተፈቒዱ ግዝኢት እናተፈፀመ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን 113 ኩባንያታት ኣብ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ንምስራሕ ስምምዕነት ዝፈረማ እንትኾና ካብዚአን እተን 31 ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ስራሕ ዝጀመሩን 12 ዝኾኑ ድማ ናብ ምህርቲ ምፍራይ እናኣተው ምዃኖም ተዛሪቦም።
ብመላኩ ገድፍ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!