Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኩሎም ኣብያተ ትምህርቲ ከይዲ ትምህርቲ ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝርከቡ ኩሎም ኣብያተ ትምህርቲ ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ስራሕ ዳግም ተጀሚሩ።

ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ትምህርቲ ዳግማይ ምጅማሩ፣ ተምሃሮ ናብ ትምህርቲ ክምለሱን ዝተቛረፀ ከይዲ ትምህርቲ ክቕፅልን ዕድል ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብታ ከተማ ከይዲ ምምሃርን ንምስትምሃርን ዝግበር ስራሕ ካብ ሎሚ 16 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ጀሚሩ ብዳግም ዝተጀመረ እንትኸውን፣ እዚ ድማ ኣብ ትምህርቲ ዝተፈጠረ ምቁራፅ ብምውጋድ ተምሃሮ ትምህርቶም ክቕፅሉ ክሕግዝ እዩ።

ምጅማር ስራሕ ትምህርቲ ኣብ ከተማ መቐለ ትካላት ትምህርቲ ናብ ስሩዕ ኣገልግሎቶም ንምምላስን ቀፃልነት ትምህርቲ ተምሃሮ ንምርግጋፅን ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብኤሊያስ ሚካኤል

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.