ኣብ ከተማ ገርሁ ስርናይ ብኣስታት 20 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ቤት ትምህር ተመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ እገላ ከተማ ገርሁ ስርናይ ብኣስታት 20 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ቤት ትምህር ሎሚ ተመሪቑ።
እቲ ቤት ትምህርቲ፥ ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት እገላን ትካል ኢማጅን ዋን ደይን ዝተሃነፀ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኪሮስ ጉዑሽ(ዶ/ር)፥ ኢማጅን ዋን ደይን ማሕበር ልምዓት እገላን ብሰንኪ ኲናት ንዝበፅሐ ዕንወት ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ንዝገብርዎ ዘለዉ ደገፍ አመስጊኖም።
እቲ ደገፍ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ተመሃሮን መማህራንን ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ንዘሎ ፀገም ብዕምቆት ብምርዳእ ዘመናዊትን ቴክኖሎጂ ዝተሓንገጠትን ትግራይ ንምህናፅ መሉእ ግዚኦም ኣብ ትምህርቲ ንከሕልፉ ምዒዶም።
ሓላፊ ቦርድ ኢማጅን ዋን ደይ ሚስተር ከን፥ እቲ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንመዘከርታ ወድና ዴቪድ ኤልሻይ ቶምሰን ዝተሃነፀ እዩ ኢሎም።
ተምሃሮ እቲ ከባቢ ብፍልጠት ዓርሶም ንክሃንፁ ከምዝሕግዝ እውን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።