ኣብ ውድድር ጉያ ሓይሊ ኣየር ኣትሌት ቢንያም መላክን ኣትሌት ኣዳነች ሄንቆን ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 91 ዓመት በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ምኽንያት በምግባር ኣብ ቢሾፍቱ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 10 ኪሎ ሜትሮ ጉያ ጎደና፤ ኣትሌት ቢንያም መላክን ኣትሌት ኣዳነች ሄንቆን ተዓዊቶም።
ኣብቲ ውድድር ብወገን ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ቢንያም መላክ ካብ ክለብ ኣትሌቲክስ ከተማ ሸገር ቀዳማይ ብምውፃእ ውድድሩ ዛዚሙ።
ኣትሌት ሙሲን ሓጂን ኣትሌት ጭምዴሳን ካብ ሸገር ሲቲ ተኸታቲሎም ብምእታው፤ 2ይን 3ይን ደረጃ ሒዞም ዛዚሞም።
ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ኣዳነች ሄንቆ ካብ ከተማ ሸገር ቀዳመይቲ ብምውፃእ እንትዕወት፤ ኣትሌት ቢቂሌ ኣምበሶን ኣትሌት ቤቴልሄም ኣለናን 2ይን 3ይን ደረጃ ሒዘን ዛዚመን።
ኣብቲ ውድድር ብኽልቲኡ ፆታ ንዝተዓወቱ ኣትሌታት፤ ንነፍሲ ወከፎም ሽልማት 500 ሺሕ ብርን ፅዋዕን ተበርኪቱሎም።
ብዳዊት መሓሪ