Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ፅባቐ ካልአይቲ ዝወፅአት ሃሴት ደረጀ ኣቀባብላ ተገይሩላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ህንዲ ሃይድራባድ ኣብ ዝተዳለወ ዓለም ለኸ ውድድር ፅባቐ “ሚስ ወርልድ” ካልአይቲ ዝወፅአት ሃሴት ደረጀ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ።

ንመበል 72 ግዘ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ፅባቐ ናይ 108 ሃገራት ተወዳደርቲ ተሳቲፈን።

ሃሴት ብብርኪ ዓለም ካልአይቲ ብብርኪ ኣፍሪካ ድማ ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።

ሃሴት ደረጀ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትትበፅሕ ሚኒስትር ዴኤታታት ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ነብዩ ባዬን ነፊሳ ኣልማሃዲን ኣቀባብላ ገይረሙላ።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.