ኣብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ሓድነትን ኣብ ካልኦት ሃገራዊ ስራሕቲ ክጠናኸር ይግባእ – ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ሓድነትን ምትሕብባርን ኣብ ካልኦት ሃገራዊ ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ።
ብገንዘብ ኢትዮጵያዊያን፣ ረሃፅን ደምን ግሁድ ዝኾነ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ ሎሚ ተመሪቑ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ እንዃዕ ደስ በለኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ ንምረቓ ምብቅዑ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!