ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘተ ፓርቲታት ይፖለቲካ ሳተፉ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ደቡብ ኮርያ ሴኡል እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ቀዳማይ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘተ ፓርቲታት ፖለቲካ ይሳተፉ ኣለዉ።
እቲ ጉባኤ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ኣብ መንጎ ፓርቲታት ፖለቲካ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻርን ዝዓለመ እዩ።
ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ዝካየድ ጉባኤ፤ ካብ ኣፍሪካ፣ እስያ፣ ኣውሮፓ፣ ላቲን ኣሜሪካን ሰሜን ኣሜሪካን ዝተፃእፅኡ መራሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ተሳቲፎም።
እቲ ጉባኤ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ክዝቲ እዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።