ኣዲስ ኣበባ መባፅሕ ቱሪዝም ስፖርት ንምግባር ናይ ኩላትና ተሳትፎ ወሳኒ እዩ – ከንቲባ ኣዳነች
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣዲስ ኣበባ መባፅሕ ቱሪዝም ስፖርት ንምግባር ናይ ኩላትና ተሳትፎ ወሳኒ እዩ ኢለን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
መበል 16ይ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ስፖርት ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ስፖርት ንጥዕናና ከም ዘመሓይሽ ሓድነትና ከም ዘጠናኽርን መራኸቢ ድልድል ዕርክነት ከም ዝኸውንን ገሊፀን።
ስፖርት ንከተማና ዕድላት ዕቤት ቱሪዝምን ኢኮኖሚን ከም ዝፈጥር ዝሓበራ እተን ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ መባፅሕ ቱሪዝም ስፖርት ንምግባር ተሳትፎ ኩሉ ሰብ ወሳኒ ምዃኑ ኣፅንኦት ሂበን።
መንእሰያት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ጉድኣት ኣካልን ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብን ብማዕረ ነሳትፍ፤ ተበፃሕን ፅሬት ዘለዎን መሰረተ ልምዓት ስፖርት ነስፋሕ ንኣልዮን ብሓላፍነት ንጠቐመሉን ክብላ ኣተሓሳሲበን።