Fana: At a Speed of Life!

ኣዲስ ኣበባ ምስ ታሪኻታ እናጠዓዓምና ዘበናዊት ከተማ እናገበርናያ ንርከብ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ታሪኻታ እናጠዓዓምና ዘበናዊት ከተማ እናገበርናያ ንርከብ ኢለን፡፡

እተን ከንቲባ ሎሚ መዓልቲ ን 4 ኪሎ ፕላዛ፣ ማእኸል ዕዳጋ 4 ኪሎን መኪና መቖሚን መሪቐን ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረን።

ዓብዪ ታሪኽ ሃገርና ኢሉ እውን ከተማና ዝኾነ “የድል ሓወልት” ዝርከበሉ ኣደባባይ 4 ኪሎ ኣብ ከባቢኡ ዓብዪ ንታሪኹ ብዝምጥን መልክዑ ሃኒፅና ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይርና ኢለን።

ሎሚ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ዝኾነ እቲ ፕሮጀክት ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተሃነፁ ዘበናዊ 102 ናይ ህያብን ኣልባሳት መደብራት፣ ካፍቴሪያታት፣ መንበቢ ቦታን ሱፐር ማርኬታትን ዘካተተ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 100 ተሽከርከርቲ ብሓደ ግዘ ዘተኣናግድ መቖሚ መኪና ብሓደግዘ ክሳብ 5 ሺሕ ሰባት ክእክብ ዝኽእል ፕላዛ፣ ኣንፊ ቴኣትርን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ጥበብ መቕረቢን ቦታታት ዝሓዘ ከምዝኾነ እውን እተን ከንቲባ ገሊፀን፡፡

እቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 500 ንዝኾኑ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ብምሕባር፥ ፍሰት ቱሪዝም ብምውሳኽ ንዕት እቲ ዓውዲ ናይ ባዕሉ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ምግላፀን ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ምምሕዳር ከተማ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.