Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኩሎም ዜጋታት ብማዕረ ዝእንገድሉ ሓቛፊ ስርዓት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኢትዮጵያ ኩሎም ዜጋታት ብማዕረ ዝእንገድሉ ሓቛፊ ስርዓት ኢዩ ኢለን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ።

መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መበል ዓስራይ ፎረም ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ሕብረት ኣፍሪካ ሓለፍቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኣባላ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ተኻይዱ።

ኣለምፀሃይ ጳውሎስ፥ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ህዝቢ ንምስላጥ  ዘካየደቶ ተግባራት ብተመክሮነት እንትተካፍል ከብሪ ይስመዐና ኢለን።

እቲ ፎረም ዝተውሃቦ መሪሕ ሓሳብ ሓበራዊ ራእይ ትካላት ዕላዊ ንምግባር ልዑል ምዕራፍ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።

ኣብ መዲና ኣፍሪካ ኣብ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ፥ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ፣ ሕድሳት ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ፣ ህንፀት ሳየንስ ሙዚዬም፣ ፕሮጀክትታት ልምዓት ቱሪዝምን ለምዓት ኮሪደር ከተማታትን ይሳለጡ ከምዘለዉ ኣረዲአን።

ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ባህጊ ኣገልግሎት ሀዝቢ ዘማእኸለን ኩሎም ዜጋታት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ፣ ብኣኽብሮትን መንፈስ ሓላፍነትን ዝግልገልሉ ከምዝኾነ ኣገንዚበን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.