Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ እናተቐየረ ምስ ዘሎ ዓለም ለኸ ስርዓት ምልምማድ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ስርዓት ናይ ምቕራፅ ግደ ክህልዋ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣፍሪካ እናተቐየረ ምስ ዘሎ ዓለም ለኸ ስርዓት ምልምማድ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ስርዓት ናይ ምቕራፅ ግደ ክህልዋ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አሕመድ (ዶ/ር)፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) “መንገድታት ሰላም ኣብ ኣፍሪካ፦ ቁጠባዊ ሉዓላውነትን ጂኦፖለቲካዊ ሽግግርን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 ጉባኤ ጣና ልዑል ደሕንነት ፎረም ተረኺቦም መደረ ኣስሚዖም።

እዙይ ኣመልኪቶም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ካብ ዶባት ሃገራት ወፃኢ ዝውሰኑ ውሳነታት ኣብ ዜጋታት፣ ቁጠባዊ ዕድላትን ፀጥታን ቀጥታዊ ፅልዋ ከም ዘሕድሩ ብምግላፅ፣ ነዚ ሓቂ ምዝንጋዕ ከም ዘይግባእ ኣገንዚቦም።

ሕድሕድ ዘይተፀበናዮ ቅልውላው ምሉእ ብምሉእ ምቁፅፃር እኳ እንተዘይተኻኣለ፣ ኣህጉራዊ ዓቕሚ ምፅዋር ከምዝግባእ ዘመልከቱ ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ንኣፍሪካ ካብ ውሽጣዊ ኩነታታ ዝነቅሉ መፍትሒ ምድላው፣ ቁጠባዊ ሉዓላውነት ምድልዳልን ብዙሕ ዓይነት ምትሕብባር ምዕባይን ከም ዝሓቁፍ ገሊፆም።

ኣፍሪካ እናተቐየረ ምስ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ለኸ ስርዓት ምልምማድ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ስርዓት ብናይ ባዕላ መንገዲ ናይ ምቕራፅ ግደ ክህልዋ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.