እስራኤልን ሊባኖስን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንምክያድ ሰማዕሚዔን
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) እስራኤልን ሊባኖስን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንምክያድ ተሰማዕሚዔን፡፡
ክልቲኤን ሃገራት ሄዝቦላህ ሓዊሱ ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ብምውፃእ ሰራዊት ሊባኖስ ጥራሕ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ንምምስራት ምስምዕምዖም እዩ ዝተገለፀ፡፡
ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕነት ዝበፅሑ እንትኾን ሄዝቦላህ ሎሚ ዕለት ብወታደራት እስራኤል ዘነጣጠረ መጥቃዕቲ ዝተገለፀ እንትኾን፤ ብተመሳሳሊ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ መጥቃዕቲ ፈፂሙ ክብል ከሲሱ።
ሂዝቦላህ ኣብቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ዘይምህላዉ ካብዚ ድርድር ዝወፅእ ማዕቀፍ ኣተገባብራ ውፅኢታውነቱ ሕቶታት ኣልዒሉ።
እስራኤልን ሊባኖስን ኣብ ኩለመዳያዊ ስምምዕ ንምብፃሕ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ንተወሳኺ ዘተ ከምዝራኸባ ተገሊፁ ክብል ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።