ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዳይሬክተር ለውጢ ክሊማ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ተዛቲየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ጎኒ ጎድኒ ጉባኤ ኮፕ31 ምስ ዳይሬክተር ለውጢ ክሊማ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣንቶኒ ኦኮን ንዮንግ (ፕ/ር) ተዛቲየን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ ካብቲም ዳይሬክተር ብተወሳኺ ምስ ኣምባሳደር ግሎባል ኮቨናንት ኦፍ ሜየርስን (Global Covenant of Mayors)ን ነበር ከንቲባ ፓሪስን ሂዳልጎን ተራኺብና ተዘራረብና ኢለን።
ኣብቲ ዘተ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ክሊማን ዘላቒ ልምዓት ከተማን ተመያይጦም።
ብፍላይ ፋይናንስ ክሊማ ብቐጥታ ናብ ከተማታት ምብፃሕ፣ ዓቕሚ ምድላውን ኣፈፃፅማን ፕሮጀክታት ምጥንኻር፣ ከምኡ እውን ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት፣ ልምዓት ወሰን ሩባ፣ ዳግመ-ልምዓት ከተማን ሕርሻ ከተማን ዝተረኸቡ ተመኩሮታት ንምልውዋጥን ንምምህሃርን ዘኽእሉ ዓውዲታት ምትሕብባር ንምጥንኻር ተሰማዕሚዕና ኢና ኢለን።
ኣዲስ ኣበባ መተኣናጋዲት ከተማ ኮፕ32 ብምዃና፤ ሓባራዊ ቀዳምነታት ክሊማ፣ ድሌታት ፋይናንስን ኣጀንዳ ልምዓትን ከተማታት ኣፍሪካ ብሓደ ድምፂ ንዓለም ንምቕራብ ዘኽእል መድረኽ ንምፍጣር ዓብዪ ዕድል ኣለዋ ኢለን።
ሓባራዊ ድምፅና ብምጥንኻር ድሌታት ልምዓት ከተማታት ኣፍሪካ ተበፃሕነት ፋይናንስን ምትሕብባር ቴክኖሎጂን ከነዕብይ ኢና ክብላ ገሊፀን።