Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች 44 መንበሪ ኣባይቲን ዘለዉዎም በዓል ሓሙሽተ ደብሪ ህንፃ ንተጠቀምቲ ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች 44 መንበሪ ኣባይቲን ሹቓትን ዘለዉዎ በዓል ሓሙሽተ ደብሪ ህንፃ ንተጠቀምቲ ኣመሓላሊፈን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ “ሎሚ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ገብስ ተራ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝርከብ ቁፅሪ 3 በጎነት መንደር ዝተሃነፀ 44 መንበሪ ኣባይቲን ሹቓትን ዘለዉዎ በዓል ሓሽተ ደብሪ ህንፃ ንተጠቀምቲ ኣረኪብና” ኢለን።

ገብስ ተራ ቅድም ክብል ኣዚዩ ዝተጎሳቐለ፣ ንምንባር ምቹው ዘይኮነን ብዝኣረጉን ዝደቐቑን ኣባይቲ ዝተመልአ፣ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዝጥቃዕ፣ ንዓቕመ ደካማ ኣዴታትን ንኣገልግሎት መብሰሊን መናፅሂን ኣፀጋሚ ዝነበረ መንደር ከምዝኾነ ኣዘኻኺረን።

ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ መንደር ብክትትልን ሓገዝን ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ልዕሊ ማንም ቅኑዓት ሰብ ሃፍቲ ብገንዘቦም ንዝገበሩዎ ሓገዝ ብሽም እቶም ነበርቲ ምስጋና ኣቕሪበን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.