Fana: At a Speed of Life!

ካብ ቀሊል መንቀሳቓሲ ገንዘብ ክሳብ ዋና ሞተር ኢኮኖሚ – ቴሌ ብር

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቴሌብር ኣብ ታሪኽ ዲጂታል ፋይናንስ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ እናፀሓፈ ይርከብ።

እቲ መተግበሪ ቀሊል ናይ ሞባይል ገንዘብ መንቀሳቐሲ ወይ ሞባይል ዋሌት ኮይኑ ዝጀመሮ ጉዕዞ ብምስፋሕ ሎሚ ምሉእ ዝኾነ ስነ ምህዳር ዲጂታል ፋይናንስ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።

ቴሌብር ክፍሊታት፣ ሜላታት መኽፈሊን መእከቢን ገንዘብ፣ ኣገልግሎት ንግዲ፣ ክፍሊታት መንግስቲ፣ ዕቋር፣ ልቓሕ፣ ኣገልግሎት ሓዋላ፣ ከምኡ እውን ዲጂታል ንግድን ካልኦት ተወሳኺ እታወት ዝፈጥሩ ኣገልግሎታትን ኣብ ውሽጡ ብምእታው ቀንዲ ኣንቀሳቓሲ ሞተር ዲጂታል ኢኮኖሚ ሃገርና ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

እዚ ዓወት ንምምዝጋብ ድማ ምስ 33 ባንክታት፣ ምስ ንኡሳን ትካላት ፋይናንስ፣ ከምኡ እውን ምስ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ዝተፈጠረ ፅኑዕ ርክብ ከምኡ እውን ሰፊሕ ምትእስሳር ወከልቲን ነጋዶን ልዑል ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

እዚ ዓቕሚ ድማ ብሓባር ናይ ምስራሕ ክብሪ ብምጥንኻር መሰረተ ልምዓትን ተበፃሕነትን ዲጂታል ፋይናንስ ሃገር ብዝበለፀ ንኽጉልብት ሓጊዙ እዩ።

በቢእዋኑ ቁፅሪ ዓማዊል ብዝለዓለ መጠንን እናወሰኸ ዝርከብ እዚ ስነ ምህዳር ፋይናንስ፤ ብሓፈሻ 60 ነጥቢ 6 ሚልየን ዓማዊል ከፍሪ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ በጀት ዓመት 2018 ጥራሕ 8 ነጥቢ 54 ሚልየን ሓደሽቲ ዓማዊል ክምዝገቡ ምኽኣሎም ሕብረተሰብ ንዲጂታል ፋይናንስ ዘለዎ እወንታዊ ኣረኣእያ እናዓበየ ከምዝመፅአ ዘርኢ እዩ።

ምንቅስቓስ ዕድጊት ቴሌብር ልዑል ወሰኽ ብምርኣይ ኣብ ዝውውር ገንዘብ እታ ሃገር ዓብዪ ብፅሒት ዝሓዘ እንትኸውን፤ በዚ ድማ 2 ነጥቢ 61 ቢልየን ዕድጊት ኣተኣናጊዱ እዩ። እዚ ድማ ካብ ዝተሃቀነ 2 ነጥቢ 09 ቢልየን ብምሕላፍ 124 ነጥቢ 6 ሚእታዊ ካብ ትልሚ ክዕወት ክኢሉ።

ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2018 ጥራሕ፣ ብቴሌብር 4 ነጥቢ 19 ትሪልየን ብር ዝግመት ዕድጊት ዝተኻየደ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ካብቲ ዝተተለመ 4 ነጥቢ 51 ትሪልዮን ብር 92 ነጥቢ 8 ሚእታዊ ምዕዋት ተኻኢሉ።

ቴሌብር ስራሕ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ፣ ብሓፈሻ 9 ነጥቢ 13 ትሪልዮን ብር ዝግመት ዕድጊት ከም ዝተኻየደሉ ሓበሬታ ኢትዮ ቴሌኮም የመላኽት።

ኣብዚ ዲጂታል ናይ ፋይናንስ ስርዓት ድማ 410 ነጥቢ 7 ሺሕ ተወከልቲን 440 ነጥቢ 1 ሺሕ ነጋዶን ኣገልግሎት እናሃቡ ይርከቡ።

ብዘይ ዋሕስ ብዝወሃብ ዲጂታል ልቓሕ ኣቢሉ ንብዙሓት ፀገማት እናፈትሐ ዝርከብ ቴሌብር፤ 19 ነጥቢ 51 ቢልዮን ብር ን5 ነጥቢ 65 ሚልዮን ዓማዊል ተበፃሒ ክገብር ክኢሉ እዩ፤ በዚ ድማ 87 ነጥቢ 7 ሚእታዊ ካብ ዓመታዊ ትልሙ ከዕውት ክኢሉ።

ብሓፈሻ ቴሌብር ኣገልግሎታት ዲጂታል ፋይናንስ ተበፃሒ ብምግባር፣ ተሳትፎ ፋይናንስ ዜጋታት ብምዕባይን ጉዕዞ ዲጂታል ምስግጋር ሃገርና ብምስላጥ ንኢትዮጵያ ዘላቒ ቁጠባዊ ዕቤት መሰረታዊን ቀንዲን ሞተር ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ እዩ።

ብመልካም ፈቃዱ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.