Fana: At a Speed of Life!

ካብ ኣቦታቱ ጅግንነት ዝወረሰ፤ ብቴክኖሎጂ ንዘበኑ ዝመሰለ ሰራዊት

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብተግባሩ ዝተመስገነ፣ ብጅግንነቱ ዝተመስከረሉን ብሰብኣውነቱ ዝፍለጥን ሰራዊት ምክልኻል ዝወነነት ሃገር እያ።

እዛ ሃገር ነዚ ሰራዊት ሒዛ ፀላእቲ ሃገርን ባንዳታትን እንተጋጥሙዋ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ እናካየደት፤ ዶብ ሃገር ዝጥሕስ ፀላኢ ኣብ ዝመፀሉ እዋን ድማ እናመከተት ንብዙሕ ዘመናት ሉኣላዊነታ እናሓለወት ፀኒሓ እያ።

እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሉኣላዊነታ ፅንዕቲ ክትከውንን ንህዝባ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ክረጋገፅ ዝገበረ ዋሕስን ማእገርን ሃገር እዩ።

ብፍላይ ብመንግስቲ መደመር ብመሰረት ዝተገበረ ሪፎርም ትካላት፤ እቲ ሰራዊት ከጋጥሙ ዝኽእሉ መጥቃዕቲታት ኣቐዲሙ ንምክልኻል ዘኽእሎ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ዝተዓጠቐ ዓቕሚን ወታደራዊ ድልውነትን ስለዝሃነፀ ሃገራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ እናሓለወ ይቕፅል ኣሎ።

ሰላም ቀዳማይ ሕርያኡ ዝገበረ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፤ ሰላም ኢትዮጵያ ዝዘርጉን ዶባ ክጥሕሱን ዝፍትኑን ፀላእቲ ግን ከም ረመፅ ሓዊ ዘንድድ ሃልሃልታ እዩ።

ናይ ክብሪ ዶ/ር ኣርቲስት መሓሙድ ኣሕመድ፦

“ተኸቢርኪ ዝነበርኪ ብደም ኣቦታትና፣
ኣደ ኢትዮጵያ ዝደፈረኪ ይዕኖ…” ዝብሉ መንጉሓት ግጥሚ ሙዚቃ፤ ቀዳሞት ወለዶታት ንሃገሮም ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከፊሎም ናብዚ ከም ዘብፅሑዋ ዘዘኻኽር እዩ።

ብኽብሪን ሉኣላዊነትን ሃገሮም ካብ ዘይደራደሩ ኢትዮጵያውያን ዝተወለደ እዚ ጥንኩር ሰራዊት ሎሚ እውን ከም ትማሊ ንኢትዮጵያ ካብ ፀላእታ ብጅግንነት እናሓለወ ክቕፅል እዩ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ወታደራዊ ሓላፍነቱ ብተወሳኺ፤ ንሓረስቶት እኽሊ ኣብ ምእካብ፣ ኣብ እዋን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ኣብ ስራሕቲ ምድሓን ህይወትን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብን ብተግባር ህዝባውነቱ ዘረጋገፀ ትካል እዩ።

ግዚኡ ዝጠልቦ ወታደራዊ ቴክኖሎጂ፣ ፍልጠትን ወታደራዊ ስነ ስርዓትን ዘወሃሃደ ብምዃኑ፤ ኣብ ዓለም ለኸ ልኡኽቶታት ምዕቃብ ሰላም እውን ህዝቢ ካልኦት ሃገራት ሰላማዊ ኣየር ክስተንፍሱ ኣብ ምግባር ኣብ ቅድሚ ዓለም ኩርዓትን መርኣያን ኢትዮጵያ ኮይኑ ይርከብ።

ብልዑል ተጋድሎን መስዋእትነትን ሰላም ኢትዮጵያ ንምፅናዕ እናተጋደለ፤ ሃገር እተመዝግቦ ዘላ ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምቕፃል ዘይትካእ ግደ ይፃወት ኣሎ።

እቲ ሰራዊት ንኢትዮጵያ ዓምዲ ሉኣላዊነታ፣ ዘይድፈር ዘብዒ ዶባን ሓርበኛ ሰላማን እዩ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.