Fana: At a Speed of Life!

ክታበት መከላኸሊ ፖሊዮ ን24 ነጥቢ 8 ሚሊየን ህፃናት ክወሃብ ኢዩ-ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ክታበት መከላኸሊ ፖሊዮ ኣብዚ ዓመት ብብርኪ ሃገር ን24 ነጥቢ 8 ሚሊየን ህፃናት ክወሃብ ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ፡፡

እተን ሚኒስትር ሃገራዊ ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ፖሊዮ ሎሚ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ ኣጀሚረን።

ፖሊዮ ሐዚ እውን ናይ ዓለም ፈተና ብምዃን ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፥ ናይ ህፃናት ናይ ቀፃሊ ዕድል ንምቕፃል ፖሊዮ ምጥፋእ ግድን ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ  ክታበት መከላኸሊ ፖሊዮ ኣብዚ ዓመት ብብርኪ ሃገር ን24 ነጥቢ 8 ሚሊየን ህፃናት ክወሃብ ኢዩ ክብላ ገሊፀን።

ኣድላዪ ናውቲታት ናብ ክልላት ከምዝተጓዓዓዘ እውን ተዛሪበን።

ብጥላሁን ይልማ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.