ክፍተታትና እናመላእና ኣገልግሎታት ህዝቢ እናባፃሕና ንርከብ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ታሪካዊ ጉድለታትን ክፍተታትን እናመላእና ኣገልግሎታት ህዝቢ ናብ ኩሎም ኩርናዓት ኢትዮጵያ እናባፃሕና ንርከብ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
መበል ዓስራይ መዓልቲ ስቪል ሰርቪስ ኣፍሪካን ጉባኤ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ጉዳያት ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፥ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ህዝቢ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ቀዳሞት ናይ መተኣማመኒ መስመራት ኢየን።
ኣገልግሎታት ህዝቢ ናይ ምብፃሕ ስራሕ ብብርኪ ኣፍሪካ ተወዳዳሪነት እነረጋግፀሉን ተግባራዊነት ማዕቐፍ ኣገልግሎት እነርእየሉን ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ሪፎርምታት ስቪል ሰርቪስን ምምሕዳርን ምጅማሩ እውን ገሊፆም።
እቲ ሪፎርም ብሸውዓተ ዓንዲታት ዝተመስረተ ከምዝኾነ ብምሕባር ሓዱሽን ፍሉይን ትካላዊ መሓውር ይህነፅ ኣሎ ኢሎም።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!