Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ናይ ነዊሕ እዋን ራኢ ልምዓት ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ኣለዎ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ እዋን ራኢ ልምዓት ኢትዮጵያ ልዑል ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ኣለዎ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

ኣብ ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ዑደት ዝገበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ገፆም ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ እዚ ትካል ናይ ነዊሕ እዋን ራኢ ልምዓት ኢትዮጵያ ልዑል ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ኣዚዩ ብዝለዓለ ውሽጣዊ ዓቕማን መሊኡ ብዝተረፈ ሃፍቲ ተፈጥሮኣን ንነዊሕ እዋን ከምትፍለጥ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ሓዱሽ ምዕራፍ ነዞም ሃፍቲታት ናብ ጭቡጥ ልምዓት፣ ምዕባለ ቴክኖሎጂን ሓባራዊ ምዕባለን ምቕያር ማእኸል ዝገበረ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ዘተኣማምን ዘላቒን ቀረብ ጉልበት ንኢንዱስትሪ፣ ንማኑፋክቸሪንግ፣ ንዲጂታል መሰረተ ልምዓትን ንሓፈሻዊ ኢኮኖሚያዊ ስግግርን ወሳኒ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

ቴክኖሎጂ ሓይሊ ኒውክሌር ድማ ውሕስነት ሓይሊ ብምጥንኻር እናወሰኸ ዝመፅእ ዘሎ ጠለብ ንምምላእ ዓብዪ ዕድል ከም ዝፈጥር ብምግላፅ፤ ሓይሊ ካብ ምፍራይ ሓሊፉ ኣብ ዓውዲታት ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪን ሓለዋ ከባቢን ንሃገራዊ ልምዓትን ንህንፀት ዓቕሚ ቴክኖሎጂን መሰረታዊ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ኣመልኪቶም።

ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ንብሄራዊ መርሃ ግብሪ ሓይሊ ኒውክሌር ዘድልዩ ትካላዊን ቴክኒካዊን መሰረታት ብምንባር፤ እቲ ራኢ ንምዕዋት ስትራቴጂካዊ ተራ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ምፍራይ፣ ሳይንሳዊ ምርምር ምስፍሕፋሕን ፍልጠት እቲ ትካል ናብ ዝቕፅል ወለዶ ምስግጋርን ቁልፊ ተግባራት ምዃኖም ጠቒሶም።

እዚ ድማ ብሄራዊ ዓቕሚን ፍሉይ ሞያዊ ብቕዓትን ብምምዕባል ልምዓት ሓይሊ ኒውክሌር ሰላማዊ፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወ፣ ዘተኣማንን ዘላቒን ብዝኾነ መገዲ ብሓላፍነት ንኽካየድ ከም ዝሕግዝ ኣገንዚቦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.