ወጥሪ ማእኸላይ ምብራቕ፡-
ወጥሪ ማእኸላይ ምብራቕ፡-
👉ኢራን ላዕለዋይ በዓል መዚ ድሕንነት ዓሊ ላሪጃኒ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ሙማቶም ኣረጋጊፃ፡፡
👉ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታኒያሁ ምስ ኣመራርሓ ምክልኻልን ድሕንነትን ዝተዛተዩ እንትኾኑ፣ ኣይሞትኩን ኣለኹ፤ ናይ ፀላእትና መራሕቲ ግን ሓደ ሓደ ብሓደ ንቐጥፍ አኣለና፤ ወታደራዊ ፀብለልታ እውን ኣለና ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
👉ኢራን ብግደኣ ብተመሓላልፎም መልእኽቲታት ኣብ ዓውደ ኲናት ዝተፈለየ ከምዝኾነን ኣብ ሚዲያ ከምዝዝረብ ከምዘይኮነን ትገልፅ፡፡
👉በቢመዓልቲ ስግኣት ኣለና ኣብ ልዕሊ ትብለን ጎረባብቲ ሃገራት እንተይተረፈ ሚሳኤል እናተኮሰት ትርከብ፤ ድሮናት ብምውፋር መጥቃዕቲ እናፈፀመት ትርከብ፡፡
👉ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ሚሳኤላት ኢራን ዝርከቡሎም ከባቢታት ሆርሙዝ ደብዲቡ፡፡
👉ኣብ ከባቢ ራማት ጋን እስራኤል ካብ ኢራን ብዝተተኮሰ ሚሳኤል ክልተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም፡፡
👉ፕሬዚዳንት ዩክሬይኑ ዘለንስኪ ከምዝበሉዎ ኣብ ኲናት ኢራን ንምስታፍ 201 ሰብ ሞያ ዩክሬን ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣምሪሖም፡፡
👉ኣብ ኩዌት ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ድሮን ክልተ ሰብ ሞያ ሕክምና ብፍራስ ጉድኣት በፂሑዎም፡፡
👉ጉጅለ ዕጡቕ ኢራቅ ኩርድ ሕፅረት ነዳዲ ንምፍታሕ በክሉ መተሓላለፊ ነዳዲ ቱቦ ንኽሓልፍ ፈቒደ ኢሉ፡፡
👉ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ትራምፕ መብዛሕተአን መሓዙት ኣሜሪካ ኣብ ኢራን ኣብ ዝግበር ወታደራዊ ወፍሪ ክሳተፋ ኣይደልያን ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!