ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምልክት ኩርዓት ኢትዮጵያዊያን እዩ – ኣልጀዚራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምልክት ብሄራዊ ኩርዓት ኢትዮጵያዊያን ምዃኑ ፀብፃቢ ኣልጀዚራ በርናርድ ስሚዝ ተዛሪቦም፡፡
ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተረኸብዎ ኣብ ጉባ ዝተኻየደ እንትኾን፥ ብዙሓት ዓለም ለኸ መራኸብቲ ኣብቲ ቦታ ኮይኖም ንህዝቢ ዓለም ተበፃሒ ገይሮም፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ፀብፃቢ ኣልጀዚራ በርናርድ ስሚዝ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን ምልክት ብሄራዊ ሓበን ምዃኑ ኣረዲኦም።
እቲ ግድብ ንኸይስራሕ ካብ ግዳማዊ ሓይልታት ዓብዪ ፅዕንቶ ክግበር ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያውያን ነቲ ግድብ ሃኒፆም ብምዝዛምን ዓብዪ ኩርዓት ተሰሚዑዎም ኢሎም፡፡
ኮይኑ ግና ዜጋታት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ቦንድ ብምድላው ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ሃኒፆም ንፍፃመ ምብቅዖም ኣረዲኦም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!