ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንበርከቱ ኣካላት ናይ ክብሪ ኒሻን ተበርኪቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንበርከቱ ኣካላት ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ኣበርኪቶም፡፡
ናይ ዘነናት ሕራነ ኢትዮጵያውያን ዝነበረ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንፀቱ ተዛዚሙ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ጉባ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ እቲ ግድብ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ልዐል ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ ኣካላት ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተቐቢሎም፡፡
ብመሰረት እዚ ዋና መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ፣ ምክትል መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ኤፍሬም ወልደኪዳን ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተበርኪቱሎም፡፡
ብተመሳሳሊ መካየዲ ስራሕ ጣቢያ ኦፕሬሽን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ከማል ኣሕመድን ብመዓርግ ምክትል መካየዲ ስራሕ መተሓባበሪ ሳይት ፕሮጀክት ኣይተ በላቸው ካሳ ካልኦት ናይ ክብሪ ኒሻን ተሸለምቲ ኢዮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!