Fana: At a Speed of Life!

“ዓድዋ ፋይት ናይት” – ሓድሽ ስፖርታዊ ምዕራፍ ኣዲስ ኣበባ

ኣብ መዘከሪ ዓወት ዓድዋ ዝተኻየደ ዓብዪ “ዓድዋ ፋይት ናይት” ዝተባህለ ውድድር ሚክስድ ማርሻል ኣርት (MMA)፣ ብዓልዑል ዓወትን ብድሙቕ ድባብን ተዛዚሙ።

እዚ ታሪኻዊ ምሸት፣ ብዙሕ ዓይነት ዓቕሚ እታ ከተማ፣ ሓድሽ ኣረኣእያ ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት፣ ከምኡ’ውን መዲና ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ደረጃ ዘለዎም ዓበይቲ ስፖርታዊ ምድላዋት ንምትእንጋድ ዘለዋ ዓቕሚ ብዝለዓለ ደረጃ ከምዝዓበየ እንደገና ዘረጋገፀ እዩ።

ዋና ዋና መርኣያታት ዓወት፦

👉 ስማርትን ዘመናዊትን ኣዲስ ኣበባ፦ ኣብቲ ምልክት ኢትዮጵያዊነትን ፅንዓትን ዝኾነ መዘከሪ ዓወት ዓድዋ ዝተኻየደ እዚ ውድድር፤ ዘበናውነት እታ ከተማን ንዓበይቲ ዓለም ለኸ ምድላዋት ዘለዋ ድልውነትን ብግልፂን ብተግባርን ኣርእዩ እዩ።

👉 ዘደንቕ ክእለት ተወዳደርቲ፦ ተወዳደርቲ ዘርአዩዎ ልዑል ቴክኒካዊ ክእለት፣ ፅንዓትን ዘደንቕ ብቕዓት ስፖርታዊ ጭዋነትን ፅባቐ ናይቲ ምሸት ብዝለዓለ ደረጃ ወሲኹዎ።

👉 ሓዱሽ ምዕራፍ እቲ ስፖርት፦ ከም ሚክስድ ማርሻል ኣርት (MMA) ዝበሉ ሓደሽቲን ተሳታፋይነት ዘለዎምን ዓይነታት ስፖርት ኣብ ሃገርና እናዓበዩ ይመፅኡ ከምዘለዉን ብመሰረት ድሌትን ተጠረባሕነትን መናእሰይ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት እናተተግበሩ ከምዝርከቡን ዘርኢ እዩ።

👉 ድሙቕ ኣቀባብላ ህዝቢ፦ ፈታዊ ስፖርት ህዝቢ ዘርአዮ ድሙቕ ሓገዝን ፍቕሪን ነቲ ውድድር ፍሉይ ቀለም ክለብስ ከምዝገበሮ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ የመልክት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.