ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ክልል ትግራይ ናብ ኩለመዳይ ቅልውላው የቃለዖ ኣሎ – ክንደያ ገ/ህይወት (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣባል ኣስፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ስምረት ክንደያ ገ/ህይወት (ፕ/ር)፣ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ኩለመዳያዊ ቅልውላው የውርድ ኣሎ ኢሎም።
ክንደያ ገ/ህይወት (ፕ/ር)፥ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ቀረባ እዋን መሰል ህዝቢ ትግራይ ዝግህስ ጨቋኒን ዘይሕጋዊ ተግባርን ሕጊ ኣውፂኡ እዩ ኢሎም።
ብሰንኪ እዚ ድማ መናእሰይ እናተሰደዱ፣ መዓልታዊ እናተኣስሩን ናብ መዓስከራት ወተሃደራዊ መልጠኒ እናኣተዉን ዝርከቡሉ መስካሕኽሒን ፍትሒ ዝጎደሎን ኩነታት ከምዝተፈጥረ ገሊፆም።
ብሰንኪ ሕገ-ወጥ ጉጅለ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላው ይርከብ እውን ኢሎም።
መናእሰይ ብዝተፈላለየ መገዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ናብ ካልኦት ክልላትን ጎረባብቲ ሃገራትን ብስደት ብምውፀኦም ከተማታት እታ ክልል መንእሰይ ዘይብለን እናኾና ከምዝመፅኣ ኣብሪሆም።
ትግራይ መዓልታዊ መናእሰይ ዝእሰሩላ፣ ፍትሒ ዝጎደላ ክልል ኮይና ኣላ ዝበሉ እንትኾኑ፤ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ተጣሒሶም ህዝቢ ኣብ ልዑል ስቓይ ኣሎ ምባሎም ኢፕድ ፀብፂቡ።