ዘይብዳህ መርአያ ፅንዓት!
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)3 ጳጉሜን መዓልቲ ፅንዓት ብብርኪ ሃገር ብኽብሪን ብድምቀትን ተኸቢሩ ውዒሉ።
ፅንዓት እንትለዓል ድማ ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥንኩር መሰረት ንምህናፅ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ዘይብዳህ ፍቕሪ ሃገርን ፅንዓትን ዘለዎ ህያው ኣብነት ምዃኑ ይዝከር።
ታሪኽና ብተደጋጋሚ ከምዘርእየና ሃገር ብመስዋእትነት ጀጋኑኣ እያ ትቐውም፤ ብምዃኑ ድማ ናፅነት ሃገርና ህልውናን ሃገራዊ ክብርን ዝረጋገፅ ብደምን አዕፅምቲን ጀጋኑ ደቃ፣ ብኽቡር መስዋእቲ ህይወትን ብዘይናወፅ ፅንዓትን እዩ።
መሰረት ሎሚ ዘሎ ዘበናዊ ሰራዊት ምክልኻል ዓሚቝ ታሪኽ ጅግንነትን ሓርበኝነት ቀዳሞት ኣቦታትን ኣዴታትናን እዩ።
ኣቦታትና ኣብ ምሳሌኦም “ካብ ኦም ዝተነጠለ ቆፅሊ ንፋስ ይወስዶ” ከምዝበሉዎ፤ ሰራዊትና ካብ ታሪኹን ካብ ስነ ልቦናኡን እንተይተነፀለ ናይዚ ዘበን ፍልጠት ብዝግባእ ተዓጢቑ ዶብን ድምበርን ሃገሩ ብጅግንነትን ብፅንዓትን ንኽሕሉ ኮይኑ ተሃኒፁ።
ምሁራን ታሪኽን ፖለቲካ ሳይንስን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋንት ብዝገበሩዎም መፅናዕቲታት፤ ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዝፍለየሉ ምኽንያት ብናይ ወፃኢ ወረርቲ ዘይተበደሀ ናይ ባዕሉ ወታደራዊን ሃገራዊን ባህሊ ሓለዋ ስለዘለዎ ምዃኑ ብናእዳን ክብሪን ይገልፁዎ።
ካብ ተጋድሎ ዓድዋ ኣግዛእን በሃላይነት ክሳብ ሓርበኝነት ማይጨው ዝተኸፈለ ዘኹርዕ መስዋእትነት ኣብ ከይዲ ምኽባር ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝተወሰነ ዘይኮነስ፤ ንመላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ምልክት ናፅነትን ፍሉይ ፍልፍል ኩርዓትን ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ቀፂሉ እዩ።
ሃገረ መንግስቲ እንትህነፅ ሰራዊት እዋኑ ዝጠልቦ ኮይኑ ክዝምን ኣለዎ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ሪፎርም እቲ ሰራዊት ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ወገናዊነት ሙሉእ ብሙሉእ ናፃ ገይሮምዎ እዮም።
በዚ ድማ ሉኣላውነት ሃገርን ድሕነት ህዝቢን ብብቕዓት ዝሕሉ ዘበናዊ ትካል ብዘተኣማምን ኩነታት ተፈጢሩ እዩ።
እዚ ሓቂ ስዒቡ ድማ ትካላት ሓይሊ ምድሪ፣ ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪን ድሕነት ሳይቨርን ብቴክኖሎጂ ዘሚኖም ንኢትዮጵያ ካብ ምክልኻል ሓሊፎም ዘላቒ ሰላምን ድሕነትን እቲ ዞባ ንምሕላው ዝኽእል ዘተኣማምን ዓቕሚ ኣማዕቢሎም እዮም።
ፍሉጥ ምሁር ወታደራዊ ሳይንስ ካርል ቮን ክላውዝቪትዝ፤ “ኦን ዋር” ኣብ ዝብል ዓብዪ መፅሓፉ “ዓወት ኲናት ብቁሳዊ ሃፍቲ ጥራሕ ዝውሰን ኣይኮነን፤ ኣብ መንፈሳዊን ስነ ልቦናዊን ጥንካረ ሰራዊት ዝተመርኮሰ እዩ” ብምባል ይምስክር።
ብሓፈሻ ፅንዓት ኢትዮጵያ ካብ ዊልያም ዱ ቦይስ፣ ማርከስ ጋርቬይ፣ ሮዛ ፓርክስ፣ ዊኒ ማንዴላ፣ ጆሞ ኬንያታ፣ ክዋሜ ንኩርማህ፣ ኔልሰን ማንዴላ ክሳብ ሮበርት ሙጋቤ ንዝነበሩ ኣቦታት ፓን ኣፍሪካኒዝም ኣብ ቃልሲ ናፃነት ህያው ስንቂ ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
ብተረፈ ወርቁ