Fana: At a Speed of Life!

ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ወነንቲ መንበሪ ገዛ ክኾኑ ዝፈቅድ ኣሰራርሓ ናብ ተግባር ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ወነንቲ መንበሪ ገዛ ክኾኑ ዝፈቅድ ኣሰራርሓ ናብ ተግባር ኣትዩ ኢሉ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብመሰረት ኣዋጅ ቁፅሪ 1388/2017 ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ወነንቲ መንበሪ ገዛ ንኽኾኑ ዝፈቅድ ኣዋጅ ምፅዳቑ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ መምርሒ ተሰናዲኡ ዝኾነ ይኹን ናይ ወፃኢ ሃገር ዜጋ ወናኒ መንበሪ ገዛ ክኸውን ዘኽእሎ ኣሰራርሓ ናብ ተግባር ከምዝኣተወ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መምርሒ ሓደ ናይ ወፃኢ ዜጋ ብውሑዱ 150 ሺሕ ዶላር ካፒታል ክህልዎ ከምዝግባእ ተመልኪቱ።

ካብዚ ብተወኺ ብድጎማ መንግስቲ ዝተሃነፁ ኣባይቲ ክገዝኡ ከምዘይኽእሉ እዩ ተገሊፁ ዘሎ።

ብፌቨን ቢሻው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.