Fana: At a Speed of Life!

ዝተወደበ ኣሰራርሓ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ተረባሕነት ኢኮኖሚ እናዓበየ ይርከብ -ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 25፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተ ኣሰራርሓ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ተረባሕነት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብልዑል ደረጃ ይዓቢ ኣሎ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ።

ማሕበር ኣክስዮን ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲን ኢትዮጵያ ባሕሪ መጓዓዝያን ሎጂስቲክስን ዘዳለውዎ ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ዘተኮረ መድረኽ እናተኻየደ ይርከብ።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፣ እዞም ክልተ ትካላት ኣብ ቁጠባ ሃገር ዘለዎም ግደ ኣዝዩ ወሳኒ ብምዃኑ ክሳብ ሕዚ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንምቕፃል ምትሕብባሮም ከጠናኽሩ ይግባእ።

ኣብቲ ዓውዲ ዝረአዩ ፀገማት ብዘላቒ መንገዲ ብምፍታሕ ከምኡውን ዘበኑ ዝጠልቦ መንገዲ ሎጂስቲክስ ብምኽታል ዕግበት ዓማዊል ክረጋገፅ ከም ዘለዎ ገሊፆም።

እዞም ክልተ ትካላት ብምውዳድ ምስራሖም እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኩነታት መጓዓዝያ ፅዕነት ብልዑል ብርኪ ከም ዝተመሓየሸ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ ንኣብነት ኣብ 2018 በጀት ዓመት ኣስታት 74 ሚእታዊት ካብ ናይ ወፃኢን ኣታዊን ንግዲ ኣቕሑት ብባቡር ክጓዓዓዝ ከም ዝተኻእለ ተመልኪቱ።

እዚ ድማ ቀደም ኣቕሑት ኣብ ወደብ ጅቡቲ ንነዊሕ ግዜ ዝፀንሑሉ ዝነበረ ኣሰራርሓ ሙሉእ ብሙሉእ ብምቕያር ኣቕሑት ድሕነቶም ተሓልዩ ኣብ ሓፂር ግዜ ንዓማዊል ክበፅሑን፣ ኣድላይነት ዘይብሉ ልዑል ወፃኢ ክከላኸልን ኣኽኢሉ።

ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ብምዃኑ ንሓለዋ ከባቢ ዝሰማማዕ ሓምላይ ሎጂስቲክስ ንምፍጣር ዓብዩ ኣበርክቶ እናገበረ ከም ዝርከብ ተመልኪቱ።

ብኣንዱኣለም ተስፋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.