ዩንቨርስቲ ዓዲግራትን ጂንካን ዘሰልጠንዎም ተምሃሮ ኣመሪቖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩንቨርስቲ ዓዲግራትን ጂንካን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠንዎም ተምሃሮ ኣመሪቖም።
ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ንመበል 11 ግዘ ብቅድመን ድህረን ምረቓ ዘምሃርዎም 1 ሺሕን 357 ተምሃሮ ኢዩ ኣመሪቑ።
እቶም ተመረቕቲ ብ33 ዓይነታት ትምህርቲ ብስሩዕ፣ ክረምቲን ምሸታዊን ፕሮግራማት ዝተምሃሩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ ።
ብተመሳሳሊ ዩንቨርስቲ ጂንካ ልዕሊ 851 ብቐዳማይ ዲግሪን ካልኣይ ዲግሪን ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ንመበል ሓምሻይ እዋን ኣመሪቑ።
ብነፃነት ፀጋይን ኣስጨናቂ ጉዱን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!